[Översvämningslinjen]

Ghirmay Yohannes

[Översvämningslinjen]

First edition 2024.
212 pages. Soft cover.

Utgivningsdatum: 2024-03-15

ISBN: 978-91-89401-61-7

Ladda ned högupplöst omslag

ክብሎ ዘለንን ዝግብኣንን በዚሑንስ ነየናይ ኢለ ነየናይ ከምዝገድፍ ምርዳእ ኣብዩኒ ምስ ውሽጠይ’ውን ምርድዳእ ስኢነስ ተዓኒደ እየ ስቕ ዝበልኩ። ገለ ክብል ኢለ ብምሕሳብ ላፕቶበይ ኣልዕላ’ሞ ገለ ከይበልኩ ናብ ሰፈራ ክመልሳ ተረባሪብናስ ሳልስቲ ሓሊፉ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ‘ዝበሃል በዚሑንስ ዋላሓንቲ ክብል ኣይከኣልኩን” ዝብላ ቃላት ጥራይ እየ ኣስፊረ። ኣብ መወዳእታ ግን “ጥንሰይ ዘይረኣየስ ብጥንሲ ኣደታትና ይግረም!” ዝብላ ቃላት ወሲኸላ። ኣደታትና ትሸዓተ ኣዋርሕ እዩ ዝወስደለን ግዜ ጥንሰን ኣኺሉ ንኽሓርሳ። ንዓይ ግን ብዝተፈላለየን ርዱእን ምኽንያታት ኣብ መሽጉራጒር ብዓትታት ኣእምሮይ ዝተጠንሰ ጥንሲ ግዜኡ ኣእኪሉ ንኽሕረስ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት እዩ ወሲዱለይ። እንቋዕ ኣብቅዓኒ ጥራይ! እንቋዕ ኣብቅዓኪ ነብሰይ!


Av samma författare